ምሕረት ምግባር

እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ፣ ሪቻርድ ብእተባህለ ጸሓፊ ካብ እተጻሕፈት “ዛዕባታት ልቢ” እትብል መጽሓፍ እተተርጐመት ንእሽቶ ክፋል እያ። ንመንፈሳዊ ህይወትና ዝሃንጽ መልእኽቲ ኣለዋ እሞ እስከ ሃዲእና ነንብባ። ሰናይ ንባብ።

ጸሎት ጐይታ፣ ቅዱስ ማቴዎስ ኣብ ዝጸሓፎ ወንጌል፣ ኣብ ሻዱሻይ ምዕራፍ ተጻሒፉ ኣሎ። እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዘሎ ጸሎታት ዝያዳ ኵሉ ኣገዳሲት እያ፣ ምኽንያቱ ከም ኣብነት ኮይና እተገልግለና ጸሎት እያ። ኣብዛ ኣብ ማቴ 6፣9-13 ዘላ ጸሎት፣ ጐይታና 6 ኣርእስትታት ዘርዚሩ ኣሎ። ንሳተን ከኣ፣ እዘን ዝስዕባ እየን።

ጐይታ ኣብ መወዳእታ ናይ ጸሎት ትምህርቱ ካብዘን ሽዱሽተ ጸሎታት ኣብ ሓንቲ ጥራሕ እዩ፣ ተወሳኺ ሓበሬታ ሂቡ። ኣብታ “ንሕና ንዝበደሉና ከም ዝሓደግናሎም፣ በደልና ሕደገልና” እትብል። ጐይታ ኣብዛ ኣርእስቲ እዚኣ ተመሊሱ ተወሳኺ መብርሂ ዝሃበሉ ምኽንያት ምናልባት ምሕረት ምግባር ንደቂ ሰባት ሓድሽን ጋሻን ነገር ስለ ዝኾነ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምናልባት’ውን ነቶም ሸለል ዝብልዋ ተወሳኺ መግለጽን መጠንቀቕታን ኪህብ ኣገዳሲ ኮይኑ ስለ እተራእዮ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ክርስቶስ ነተን ካልኦት ሓሙሽተ ገዲፉ ኣብዛ ኣርእስቲ እዚኣ ጥራይ ምትኳሩ ኣገዳሲ እዩ።

ምናልባት ኣብዛ ህሞት እዚኣ ብዛዕባ ይቕረ ዘይበልካሉ ወይ ዘይበልካላ ሰብ ትዝክር ትህሉ። ምናልባት እቲ ሰብ ጐዲኡካ፣ በዲሉካ፣ ኣታሊሉካ፣ ወይ ብገለ መገዲ ኣጸሊሙካ ክኸውን ይኽእል። ምናልባት’ውን ንሰበይትኻ፣ ደቅኻ ጐዲኡልካ ይኸውን። ይቕረ ክትብል ፈቲንካ ግን ፍጹም ኣይከኣልካን።

ብዙሕ ጊዜ ሰባት “ስቕ ደኣ በል፣ እንታይ ከም ዘገበረኒ/ትኒ ኣይፈለጥካን” ክብሉ ሰሚዐ ኣሎኹ። “ፍጹም ክሓድገሎም ኣይክእልን እየ” ዝብሉ’ውን ኣለዉ። ሓደ ሓደ ጊዜ ድማ ኣዝዮም ይጕድኡ እሞ፣ ሕነ ክፈድዩ ክሳዕ ዝደልዩ ይኾኑ። “ፍጹም ኣይሓድጎን/ጋን እየ” ይብሉ። ገሊኦም ከኣ “ስለ ምንታይ ምሕረት እገብረሎም፧” ብምባል ይምልሱ።

ምሕረት ክንገብር ዘድልየና ብዙሓት ምኽንያታት ኣለዉ። ብዙሕ ጊዜ፣ ምሕረት ክትገብር ዘይምኽኣል፣ መንፈሳውነትካ ዝገፍፍ ኣዕሚቑ ናይ ዝሰረተ ቂም ምልክት እዩ። ናይ ቂም ዝዓበየ ጸገሙ፣ ኵሉ ዝምድና ህይወትካ ክሳዕ ዘዕኑ ከም መንሽሮ እናለሓመ ዝኸይድ ምዃኑ እዩ።

Million Samuel
I like it.
Jul 26, 2023

Million Samuel
Lorem ipsum dolor sit amet, consectetur adipisicing elit. Ducimus itaque, autem necessitatibus voluptate quod mollitia delectus aut, sunt placeat nam vero culpa sapiente consectetur similique, inventore eos fugit cupiditate numquam!
Jul 28, 2023

Leave a comment